መጽሐፍ ቅዱስ በአንድ ዓመት ውስጥ
ሰኔ 27


1 ነገሥት 11:1-43
1. ንጉስ ሰሎሞን ብዘይ ጓል ፈርኦን ድማ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፡ ሞኣባውያን፡ ዓሞናውያን፡ ኤዶማውያን፡ ሴዶናውያን፡ ሔታውያን ፈተወ።
2. ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ብዛዕባኦም፡ ንሳቶም ንልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬምዘንብልዎም እዮም እሞ፡ ናባቶም ኣይትኺዱ፡ ንሳቶም ከኣ ናባኻትኩም ኣይምጽኡ፡ ዝበሎም ህዝብታት፡ ሰሎሞን ብፍቕሪ ምሳታተን ጠበቐ።
3. ሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ።
4. ኰነ ድማ፡ ብጊዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን።
5. ሰሎሞን ከኣ ደድሕሪ ኣስታርተ፡ እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ደድሕሪ ሚልኮም፡ ጽያፍ ዓሞናውያንን ከደ።
6. ሰሎሞን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሩ ፈጺሙ ንእግዚቕኣብሄር ኣይሰዐቦን።
7. ሽዑ ሰሎሞን ንከሞሽ ጽያፍ ሞኣብን፡ ንሞሌኽ ጽያፍ ደቂ ዓሞንን፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር የሩሳሌም ዘሎ ኸረን በረኽቲ ሰርሔ።
8. ንዂላተን እተን ጓኖት ኣንስቱ፡ ንኣማልኽተን ዚዐጥናን ዚስውኣን ከኣ፡ ከምኡ ሰርሓለን።
9. እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ እተራእዮ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝዘንበለ፡ ተቘጥዖ።
10. ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይከይድ አዚዝዎ ነበረ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ግና ኣይሐለዎን።
11. ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን በሎ፡ እዚ ኣባኻ ስለ እተገብረ፡ ነቲ ዝአዘዝኩኻ ኺዳነይን ሕጋጋትን ድማ ስለ ዝሐሎኻዮ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ።
12. እዚ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን፡ ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐዳ።
13. ግናኸ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ኣይቀዳን እየ፡ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሐሬኽዋ የሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።
14. እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ተጻራሪ ሃዳድ ኤዶማዊ ኣተንስኣሉ፡ ንሱ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ኤዶም ነበረ።
15. ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ኤዶም ከሎ፡ ዮኣብ እቲ ሕእባላቓ ሰራዊት ድማ ነቶም ቅቱላት ኪቐብር ምስ ደየበ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዂሉ ተባዕታይ ኪቐትል ከሎ፡
16. ዮኣብን ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዂሉ ተባዕታይ ክሳዕ ዜጽንቱስ፡ ኣብኡ ሹድሽተ ወርሒ ተቐመጡ።
17. ሃዳድ ከኣ፡ ንሱን ገለ ኤዶማውያንን ካብ ገላዉ ኣቦኡ ድማ ምስኡ ዀይኖም ናብ ግብጺ ኪኸዱ ሀደሙ፡ ሃዳድ ሽዑ ንእሽቶ ቘልዓ ነበረ።
18. ካብ ሚድያን ተላዒሎም ከኣ ናብ ጳራን መጹ፡ ካብ ጳራን ሰባት ወሲዶም ድማ ናብ ግብጺ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ መጹ። ንሱ ኸኣ ቤት ሀቦ፡ ቀለብውን አዘዘሉ፡ ምድሪ ድማ ሀቦ።
19. ሃዳድ ከኣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ብዙሕ ሞገስ ረኸበ፡ ንሱ ድማ ሓብቲ ሰበይቱ፡ ሓብቲ ንግስቲ ታሕጵኔስ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሀቦ።
20. እዛ ሓብቲ ታሕጵኔስ ከኣ ጌኑባት ዚብሀል ወዲ ወለደትሉ። ታሕጵኔስ ድማ ኣብ ቤት ፈርኦን ጡብ ኣሕደገቶ፡ ጌኑባት ከኣ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣብ ማእከል ደቂ ፈርኦን ነበረ።
21. ሃዳድ ድማ ኣብ ግብጺ ኸሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝደቀሰ፡ ዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትውን ከም ዝሞተ፡ ምስ ሰምዔ፡ ሃዳድ ንፈርኦን፡ ናብ ሃገረይ ክኸይድሲ ኣሰናብተኒ፡ በሎ።
22. ፈርኦን ግና፡ እንሆ፡ ናብ ሃገርካ ኽትከይድ እይደልስ፡ ምሳይ ከሎኻ እንታይ ጐዲሉካ∶: በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገለ እኳ፡ ግናኸ ኣሰናብተኒ ደኣ፡ በሎ።
23. ኣምላኽ ድማ ካልእ ተጻራሪ፡ እቲ ኻብ ጐይታኡ ኻብ ሃዳድዔዘር ንጉስ ጾባ ዝሀደመ ሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ ኣተንስኣሉ።
24. ንሱ፡ በታ ዳዊት ንሰብ ጾባ ዝቐተለላ ጊዜ፡ ሰባት አኪቡ ሓለቓ ጭፍራ ዀነ። ናብ ደማስቆ ኸይዶም ኣብኣ ተቐመጡ፡ ኣብ ደማስቆውን ነገሱ።
25. ንሱ ድማ ምስቲ ሃዳድ ዝገበሮ ኽፉእ ብዂሉ ዘመን ሰሎሞን ጸረ እስራኤል ኰይኑ ነበረ እሞ፡ ንእስራኤል ጸየፎ፡ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸኣ ነገሰ።
26. የሮብዓም ጊልያ ሰሎሞን፡ ወዲ ናባጥ ኤፍራታዊ፡ ካብ ጸሬዳ፡ ስም ኣዲእ ጽሩዓ፡ ንሳ ኸኣ መበለት ነበረት፡ ንሱ ድማ ኢዱ ኣብ ንጉስ ኣልዐለ።
27. እቲ ኢዱ ኣብ ንጉስ ዘልዐሎ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ፡ ሰሎሞን ንሚሎ ሰርሓ፡ ነቲ ፍራስ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ጸገኖ።
28. የሮብዓም ድማ ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ከኣ እቲ ጐበዝ፡ ንሱ ትጉህ ዓያዪ ኸም ዝዀነ ርእዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ቤት ዮሴፍ ኣመዘዞ።
29. ኰነ ድማ፡ በቲ ዘመን እቲ የሮብዓም ካብ የሩሳሌም ወጸ፡ ነብዪ ኣሒያ እቲ ሺሎናዊ ኸኣ ኣብ መገዲ ረኸቦ። ንሱ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ። ክልቲእዕም ከኣ በይኖም ኣብ መፎር ነበሩ።
30. ኣሒያ ድማ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቚራጽ ቈራረጾ።
31. ንየሮብዓም ከኣ በሎ፡ ዓሰርተ ቚራጽ ንኣኻ ውሰድ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ እንሆ፡ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን ክቐዳ እየ፡ ዓሰርተ ነገድ ድማ ንኣኻ ኽህበካ እየ።
32. ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌምን ግና እቲ ሓደ ነገድ ንእኡ ይኹን።
33. ንኣይ ሐዲጎም ንኣስታርተ፡ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፡ ንከሞሽ ኣምላኽ ሞኣብ፡ ንሚልኮም ኣምላኽ ደቂ ዓሞን ስለ ዝሰገዱ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሮም እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝዀነን እቲ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ኪገብሩ ድማ ብመገደይ ኣይከዱን።
34. ግናኸ ምእንቲ እቲ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ዝሐለወ፡ ምእንቲ እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያይ ዳዊት ኢለ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ መስፍን እገብሮ እምበር፡ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ካብ ኢዱ ኣይወስዳን እየ።
35. ግናኸ ካብ ኢድ ወዱ ነታ መንስግቲ ብዘላስ ኽወስዳ እየ፡ ንኣኻ ድማ እቶም ዓሰርተ ነገድ ክህበካ እየ።
36. ኣብ ቅድመይ ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኸንብር ዝሐሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌም፡ ንባርያይ ዳዊት ኲሉ ዘመን መብራህቲ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።
37. ንኣኻ ወሲደ ድማ ኣብቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ ዘበለ ኽትገዝእ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ክትነግስ ኢኻ።
38. ኪኸውን ድማ እዩ፡ ዝአዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰማዕካ ብመገደይ ከኣ እንተ ተመላለስካ፡ ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ እንተ ገበርካ፡ ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸኣ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን እንተ ሐሎኻ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኩሉ፡ ንኣኻ ጽንዕቲ ቤት ክሰርሓልካ እየ፡ እስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ፡
39. ምእንቲ እዚ ንዘርኢ ዳዊት ከዋርዶ እየ፡ ግናኸ ንዂሉ ዘመን ኣይኰነን።
40. ስለዚ ሰሎሞን ንየሮብዓም ኪቐትሎ ደለየ፡ የሮብዓም ግና ተንሲኡ ናብ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ፡ ናብ ግብጺ ሀደመ። ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከኣ ኣብ ግብጺ ነበረ።
41. እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገር፡ እቲ ዝገበሮ ዂሉን ጥበቡን፡፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ሰሎሞንዶ ተጽሒፉ ኣይኰነን∶:
42. እቲ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ።
43. ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።

1 ነገሥት 12:1-33
1. ብዘሎ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግሶ ናብ ሴኬም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ።
2. ኰነ ኸኣ፡ የሮብዓም ወዲ ናባጥ እዚ ምስ ሰምዔ፡ ንሱ ገና ኣብ ግብጺ፡ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሀደሞ ነበረ እሞ፡ የሮብዓም ኣብ ግብጺ ይቕመጥ ነበረ።
3. ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን መጺኦም ንየሮብዓም፡
4. ኣቦኻ ኣርዑትና ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና፡ ንሕናውን ክንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
5. ንሱ ድማ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኺዱ እሞ ናባይ ተመለሱ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ከዱ።
6. ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ነቲ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፡ ኢሉ ተማኸረ።
7. ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሎሚ ጊልያ እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ኣገልገልካዮም፡ ምላሽ ድማ እንተ ሀብካዮም፡ ጽቡቕ ቃልውን እንተ ተዛረብካዮም፡፡ ሽዑ ንሳቶም ንሓዋሩ ገላዉ ኪዀኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
8. ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዘማኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዐበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዚብሉ መንእሰይ ተማኸረ
9. እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና፡ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ተማኽሩኒ∶: በሎም።
10. እቶም ምስኡ ዝዐበዩ መንእሰይ ከኣ፡ ነዞም ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና፡ ኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ እዚኦም፡ እዛ ንእሽቶ ኣጻብዔይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጒድ።
11. ሕጂ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጸዐነኩም። ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ በሎም፡ ኢሎም መለሱሉ።
12. ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓምን ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ የሮብዓም መጹ።
13. ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሐዲጉ ነቶም ህዝቢ ኣበርቲዑ መለሰሎም።
14. ኣቦይ ኣርዑትኩም፡ ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ገይሩ፡ ተዛረቦም።
15. ነቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ ሺሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ኬቚሞ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።
16. ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል፡ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረአዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊት እንታይ ክፍሊ ኣሎና∶: ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነናብ ድንኳንካ ተመለስ። ኣታ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሐሉ፡ ዚብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ እስራኤል ነናብ ድንኳኑ ኸደ።
17. ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ።
18. ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ኣዶራም ሰደዶ፡ ብዘለዉ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ናብ የሩሳሌም ኪሀድም ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላ ደየበ።
19. በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዐልዮም አለዉ።
20. ኰነ ድማ፡ ብዘለዉ እስራኤል የሮብዓም ከም እተመልሰ ምስ ሰምዑ፡ ልኢኾም ናብቲ ኣኼባ ጸውዕዎ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ኣንገስዎ። ብጀካ ነገድ ይሁዳ ጥራይ ንቤት ዳዊት ዝሰዐባ ኣይነበረን።
21. ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ድማ፡ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ኪመልስዋ፡ ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንነገድ ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ።
22. ግናኸ ናብ ሸማዕያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከምዚ ዚብል ቃል ኣምላኽ መጸ፡
23. ንሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞን ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝቢውን ከምዚ በሎም፡
24. እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትደይቡ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። ንሳቶም ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም፡ ከምቲ ዘረባ እግዚኣብሄር ተመሊሶም ከዱ።
25. የሮብዓም ድማ ንሴኬም ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰርሓ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። ካብኣ ወጺኡ ኸኣ ንጳኑኤል ሰርሓ።
26. የሮብዓም ድማ ብልቡ፡ ሕጂ እዛ መንግስቲ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ።
27. እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኪስውእ ናብ የሩሳሌም እንተ ደየበ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ጐይታኦም፡ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለስ እዩ እሞ፡ ቐቲሎምኒ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለሱ እዮም፡ በለ።
28. እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፡ ዎ እስራኤል፡ ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እነዉልካ፡ ድማ በሎም።
29. ነቲ ሓደ ኣብ ቤትኤል ኣንበሮ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን ገበሮ።
30. እቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓደ ኺሰግድ ክሳዕ ዳን ይኸይድ ነበረ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንሓጢኣት ኰነ።
31. ኣብ በረኽቲውን ኣባይቲ ሰርሔ፡ ካብ ደቂ ሌዊ ዘይኰኑ ኸኣ፡ ካብቲ ህዝቢ ማንም ካህናት ገበረ።
32. የሮብዓም ድማ ኣብ ሳምነይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምቲ ኣብ ይሁዳ ዚግበር በዓል፡ በዓል ገበረ፡ ናብቲ መሰውኢ ድማ ደየበ። ነቶም ዝገበሮም ምራኹት ኪስውኣሎም ኣብ ቤትኤል ከምኡ ገበረ። ናይቲ ዝገበሮ በረኽቲ ኸኣ ካህናት ኣብ ቤትኤል ኣቘመ።
33. ብሳምነይቲ ወርሒ፡ ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ናብቲ ኣብ ቤትኤል ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበ። ንደቂ እስራኤል ከኣ በዓል ገበረሎም፡ ኪዐጥን ድማ ናብቲ መሰውኢ ደየበ።

መዝሙር 69:5-15
5. ዎ ኣምላኽ፣ ንስኻ ዕሽነተይ ትፈልጥ ኢኻ፣ በደለይውን ካባኻ ኣይተሐብኤን።
6. ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር አሎኹ። ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ እዩ እሞ፣ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፣ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፣ እቶም ዚደልዩኻ ብኣይ ኣይነውሩ።
7. ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ስሌኻ ጸርፊ እጸውር አሎኹ። ነውሪ ንገጸይ ኣጐልቢብዎ እዩ እሞ፣ እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ፣ ኣታ ኣምላኽ እስራኤል፣ እቶም ዚደልዩኻ ብኣይ ኣይነውሩ።
8. ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ኼንኩ።
9. ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ፣ ጸርፊ እቶም ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀንኩ። ነሕዋተይ ጓና፣ ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ኼንኩ።
10. እናበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ፣ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።
11. ክዳን ሓዘን ምስ ለበስኩ፣ መመሰሊ ዀንክዎም።
12. ኣብ ደገ ዚቕመጡ ብዛዕባይ ይዛራረቡ፣ ሰካራት ብኣይ ይጭፍሩ።
13. ኣታ እግዚኣብሄር፣ ብቕብልቲ ጊዜ ግና ጸሎተይ ናባኻ እዩ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ብብዝሒ ምሕረትካ፣ ብሓቂ ምድሓንካ ምለሰለይ።
14. ከይሰጥምሲ ኻብ ሰልሚ ኣውጽኣኒ፣ ካብ ጸላእተይን ካብ ጥልቂ ማያትን ኣናግፈኒ።
15. ማዕበላት ማይ ኣየጥሕለኒ፣ መዓሙቑ ድማ ኣይውሐጠኒ፣ ጕድጓድውን ኣብ ልዕለይ ኣፉ ኣይትዕጾ።

ምሳሌ 17:20-22
20. ጠዋይ ልቢ ዘለዎ ሰናይ ኣይረክብን፡ ወስላት ዝልሳኑ ኸኣ ኣብ መከራ ይወድቕ።
21. ዓሻ ዝወለደ ብእኡ ይጒሂ፡ ኣቦ ዓሻውን ከቶ ኣይሕጐስን።
22. ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።

ዮሐንስ 12:1-26
1. ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፡ ናብ ቢታንያ መጸ።
2. ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ። ማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩ።
3. ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጒሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልኤት።
4. ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦም ግና፡
5. እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሀብ፧ በለ።
6. እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፋዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ።
7. ስለዚ የሱስ፡ ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ።
8. ስለዚ የሱስ፡ ድኻታትሲ ዂሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኲሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሐልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ።
9. ድሕርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰብ፡ የሱስ ኣብኡ ምህላው ፈሊጦም፡ መጹ። ነቲ ኻብ ምውታት ዘተንስኦ ኣልኣዛርውን ኪርእዩ እምበር፡ ምእንቲ የሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኰኑን ዝመጹ።
10. ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።
11. ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።
12. ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ቡዙሕ ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዝመጽእ ሰሚዑ፡
13. ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ።
14. ከምቲ፡ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ።
15. ከምቲ፡ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ።
16. ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዐልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግና፡ ሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሐ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩ።
17. እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ኬተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ።።
18. ስለዚ እቶም ህዝቢ እዚ ተኣምራትዚ ምግባሩ ሰሚዖም፡ ኪቕበልዎ ወጹ።
19. ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ ኣሎኹም፡ እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ፡ ተባሃሀሉ።
20. ካብቶም በቲ በዓል ኪሰግዱ ዝደየቡ ኸኣ ሓያሎ ጽርኣውያን ነበሩ።
21. ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፡ ብዓል ቤተሳይዳ ናይ ገሊላ፡ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ንየሱስ ክንርዮ ንደሊ ኣሎና፡ ኢሎም ለመንዎ።
22. ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮ። እንድርያስን ፊልጶስን ድማ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ።
23. የሱስ ድማ መሊሱ በሎም፡ ወዲ ሰብ ኪኸብር፡ ጊዜኡ በጺሓ እያ።
24. ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
25. ንህይወቱ ዚፈትዋ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ኪሕልዋ እዩ።
26. ዜገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዐበኒ። እቲ ዜገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ኪኸውን እዩ። ዜገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ኬኽብሮ እዩ።